ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝጥርዝ ኣፍሊጡ


ሚኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ኣይለት ሻካድ- ፋይል
ሚኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ኣይለት ሻካድ- ፋይል

ሚኒስተር ፍትሒ እስራኤል ኣይለት ሻካድ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝጥርዙ ኣፍሊጠን። ኤርትራ ነቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገግሎት ከምዘብቕዐ እንተፍሊጣ እቶም ኣብታ ሃገር ዘለው ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ እተን ሚንስትር ፍትሒ ሓቢረን።

ንሰን ነዚ ዝፍለጣ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝተቓነዓ ኣኼባ ፓርቲኣን ክኸውን ከሎ መንግስቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መጀመርያ’ዚ ወርሒ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ትግባረኡን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ንብዙሓት ኤርትራዊያን ነቲ ናይ ጊዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቕዕ ተኽእሎ ኣሎ ዝብል ተስፋ ከምዝሃበ ሓቢረን።

“ስለዝኾነ ድማ ነዚ ስምምዕ ስዒቡ ኤርትራ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው እንተአቢላ እስራኤል ኣብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው’ዮም ንዝበለቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክትመልሶም’ያ።”

ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ምንጪታት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኤርትራ ዋላ’ዃ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ጊዜ ገደብ ክሕልዎ እንተፈቐደት እቲ ግዱድ ሃገራዊ ኣገግሎት እንተዘይተቋሪጹ ሰላም ምፍጣሩ ንበይኑ መፍትሒ ኣይኮነን ይብሉ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ እስራኤል ንዝርኸቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሩዋንዳ ክኸዱ ዝብል መደብ ደው ምባሉ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ሩዋንዳ ካብ እስራኤል ብዘይፍቓዶም ናብ ሃገራ ዝመጹ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ምፍላጣ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነቲ ስደተኛታት 20 ሚእታዊት ካብ አታዊኦም ኣብ ባንክ’ታ ሃገር ክጸንሑ ዝእዝዝ ሕጊ ብትሪ ምንቓፉ ይግለጽ ኣሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ክሲ ኣብ ዝረአየሉ እዋን ዳኛ ኡዚ ቮልግማን ነቲ ዋጋ መነባብሮ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ዓቐን ገንዘብ ኣብ ባንክ ከቐምጡ ምእዛዝ ጥቕሙ ንጹር ኣይኮነን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG