ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ናይ ኮሮና ቫይረስ መመርመርን መውሽብን ማእከላት ከምዘቖመ ገሊጹ


ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ግዚያዊ ደይረክተር ጀነራል ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶ/ር ዓንደብርሃን ተስፋጺዮን
ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ግዚያዊ ደይረክተር ጀነራል ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶ/ር ዓንደብርሃን ተስፋጺዮን

ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ናይ ኮሮና ቫይረስ መመርመርን መውሽብን ማእከላት ከምዘቖመ ገሊጹ።

ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብኣየር ፡ባሕሪ፡ምድርን ንዝመጽኡ ገየሾ ናይ ኮሮና ቫይረስ መመርመሪ ማእከላት ከምዘቖመን በቲ ሕማም ዝጥርጠሩ ሰባት ምስ ዘጋጥሙ ድማ ፍሉይ ቦታ ኣዳልዩ ከምዘሎ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ግዚያዊ ደይረክተር ጀነራል ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶ/ር ዓንደብርሃን ተስፋጺዮን ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ድሮ’ውን ካብ ቻይና ንዝመጽኡ ገየሾ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ፍሉይ መርመራ ጀሚሩ ከምዘሎ ዶ/ር ዓንደብርሃን ተዛሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG