ዋሽንግተን —
ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ፥ ኣርባዕተ ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ ካብቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ፥ትማሊ 5 ግንቦት ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኢሉ።
እቲ ሚንስትሪምስቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 26: ካብቲ ሕማም ሓውዮም ዝተፋነዉ ዜጋታት ብጠቕላላ 30 በጺሖም ኣለዉ ይብል ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ዜጋታት ቁጽሪ 39 ክኸውን ከሎ፥ ገና ዘይሓወዩ- ትሸዓተሰባት ተሪፎም ኣለዉ ።