ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሓይልታት ትግራይ ወሪዱ ንዝተባህለ ግፍዒ ኰኒኑ


ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ - ፋይል
ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ - ፋይል

ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሓት ነሓሰን መስከረምን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ሰፊሕ ጥሕሰት መግለጺ ድሕሪ ምውጻኡ፡ ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ተግባር ኣትሪሩ ኰኒኑዎ ኣሎ።

ኣብቲ ትማሊ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልእ ግፍዒን ድሕሪ ምዅናን፡ ኩሎም ወገናት ንሰላማዊ ዒላማ ካብ ምጥቃዕ ክቝጠቡ ጸዊዑ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ዘይሻራዊ ምጽራይ ድሕሪ ምግባር፡ ንፈጸምቲ በደል ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክቕበሉ ኣመልኪቱ። መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ኵላቶም ወገናት ንነባሪ ፍታሕ ከም ዝሰርሕ ድሕሪ ምምልካት፡ ሕጂ’ውን ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ኵላቶም ወገናት ከፍቅዱን ተጻብኦታት ከቋርጹን ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG