ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትሪ ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣሜሪካ ድሕሪ ሞት መራሒ ዳዕሽ ብዝለዓለ ንቕሓት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ


ሚንስትሪ ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣሜሪካ ድሕሪ ሞት መራሒ ዳዕሽ ኣቡ ባክር ኣል- ባግዳዲ ብዝለዓለ ንቕሓት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።ፕረዚደንት ትራምፕ ፍሉይ ወታደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶሪያ ብዕዉት ስርሒት ንባግዳዲ ኣወጊዱዎ’ሎ ኢሎም ድሕሪ ምእዋጆም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ እዚ ዝግለፅ ዘሎ።

እቲ መግለፂ “ፀጥታና ብንቕሓት ንከታተል ኣለና፤ክመፅእ ንዝኽእል ስግኣት ግብረ መልሲ ንምሃብ ትኹረትና ክቕፅል እዩ’’ ይብል ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃብዎ ኣስታት 50 ደቓይቕ ዝወድአ መግለፂ እቲ እስላማዊ መራሒ ተቐኒቱዎ ዝነበረ ቦምብ ብምትኳስ ንሰለስተ ቆሎዑት ደቁ ሓዊሱ ኣብ ጉድጓድ ተቐቲሉ ኢሎም።

ፕረዝዳንት ትራምፕኣል-ባግዳዲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ “የእዊ፣ይበክን ይንቅጠቀጥን’’ነይሩ ኢሎም ።

“ጅግና ኮይኑ ኣይሞተን።እናፈርሐ እዩ ሞይቱ።”

ፕረ. ትራምፕ ኣብቲ ስርሒት ካብ ኣሜሪካ ሰራዊት ዋላ ሓደ ሰብ ኣይሞተን፣ብርክት ዝበሉ ተዋጋእቲ ኣልባግዳዲ ግን ተቐቲሎምን ተታሒዞምን ኣለው ኢሎም።እቲ ወታደራዊ ስርሒት እናተኻየደ ዘርኢ ገለ ኽፋል ናይቲ ቪዲዮ ንምውፃእ ይሓስብሉ ከምዘለው ሎሚ ሶኑይ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ብኩርዳዊያን ናይ ዝምራሕ ዴሞክራሲያዊ ሓይልታት ሶሪያ ወሃቢ ቃል ዳዕሽን የማናይ ኢዱ ንኣል-ባግዳዲን ኣቡ ሓሳን ኣል-ሙሓጂር ኣብቲ ወታደዊ ስርሒት ኣሜሪካ ከምዝተቐትለ ሓቢሩ;ካብ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ግን መረጋገፂ ኣይተውሃበን ኢሉ።

ትራምፕ ንዘይተገልፀ ምትሕብባር ንዒራቕ፣ሶሪያን ቱርኪን ብምምስጋን ናይ ሶሪያ ኩርዳዊያን ጠቓሚ ሓበሬታ ብምሃብ ንኢዶምዎም ኣለው።

ኣሜሪካ ባግዳዲ ኣበይ ከምዘሎ ሓበሬታ ንዝህብ 25 ሚሊዮን ዶላር ከም እትሽልም ኣብ 2016 ገንዘብ መዲባ ነይራ እያ።

XS
SM
MD
LG