ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ትምህርቲ ኢትዮጵያ ህንፀት 71 ኣ/ትምህርቲ ምጅማሩ ኣፍሊጡ


ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፈርሰር ብርሃኑ ነጋ -ፋይል
ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፈርሰር ብርሃኑ ነጋ -ፋይል

ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብዂናትን ጎንፅን ጉድኣት ኣብ ዝበፅሐንን ከባቢታት እታ ሃገር ህንፀት 71 ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝጀመረ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጡ።ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፈርሰር ብርሃኑ ነጋ እዚ ተጀሚሩ ዝተባህለ መደብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ንክልል ትግራይ ኣይሓውስን።

እቶም ሚኒስተር ኣብ መግለጺኦም ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዳህሳስ ዕንወት ኣብያተ ትምህርቲ ምስተገብረ ናይቲ ክልል ዳግመ ህንፀት ኣብ ቀፃሊ ትልሚ ከም ከምዝካየድ ወሲኾም ገሊጾም።

ህንፀት እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክዛዘም’ሞ ኣብ ዝቕጽል ዓመተ-ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ክውዕል ትፅቢት ከም ዘሎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ንክልል ትግራይ ከይሓወሰ 3,300 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝፈረሳ ዝገለፁ ሚኒስትር ብርሃኑ ነጋ፡ ነተን ዝፈረሳ ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሓይሽካ ምህናፅ፣ ኣካል መደብ ምምሕያሽ ጽፈት ትምህርቲ ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቦም።

ብዘይካ'ዚ፣ ጽፈት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ ኩለን ክልላት መርኣያ ዝኾና ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ እቲ ሚኒስትሪ ትልሚ ከምዝሓዘ ኣመልኪቱ ኣሎ። ነዚ መደብ ንምትግባር ድማ 2.8 ቢልዮን ብር ተዋህሊሉ ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ንዘጋጠመ ዕንወት ንምፅናዕን ሓፈሻዊ ትምህርቲ ዝጅመረሉ ኩነታት ንምርኣይን ሚኒስተር ትምህርቲ ሓደ ጉጅለ ሰብ ሞያ ናብቲ ክልል ከም ዝለኣኸ እውን ፕሮፌሰር ብርሃኑ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG