ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ነበር ኣሽ ካርተር ኣብ መበል 68 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም


ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ነበር ኣሽ ካርተር
ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ነበር ኣሽ ካርተር

ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኦባማ ሚንስተር ምክልኻል ዝነበረን፡ ደቀንስትዮ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክቑጸራ ስራሕ ዝኸፈተን ኣሽ ካርተር ኣብ መበል 68 ዕድሚኡ ዓሪፉ።

ዲን ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ከነዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበረታ፡ ኣሽ ካርተር ዝሓለፈ ሰኑይ ብድኻም ልቢ ተወቒዑ ኔሩ።

ኣብ ታሕሳስ 2015፡ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ መጽናዕትን ክትዕን፡ ካርተር፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣመሪካ ንደቀንስትዮ`ውን ኣብ ተዋጋኢ ሓይሊ ክኣትዋ ከፈቅድ ኣዚዙ። እዚ ማለት ክሳብ ሎሚ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ንኸይኣትዋ ዝእግደን ዝነበረ ኩሉ ነገራት ኣወጊዱ፡ ወላ ኣብቲ ሓደገኛ ዝብሃል ከም ኮማንዶ ዝኣመሰለ ስራሕ`ውን ክኣትዋ ክኽእላ ተፈቒዱለን ማለት`ዩ። ድሕሪ ዓመት ድማ እቲ ሚንስተር ምክልኻል ዝነበረ ኣሽ ካርተር፡ ጾታ-ሰገር ዝብሃሉ ሰባት ኣብ ሰራዊት ከይኣትዉ ዝኽልክል ዝነበረ እገዳ ኣልዒሉ።

ስድራቤቱ ንካርተር፡ ካብ ምስ ሰራዊት ግዚኡ ምሕላፍ ንላዕሊ ዘሐጉሶ ነገር ኣይነበረን፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ስቲፋኒ`ውን ብተደጋጋሚ ናብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ይበጽሕ ኔሩ ይብሉ።


XS
SM
MD
LG