ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ግብጺን ዮርዳኖስን ምብጻሕ የካይዱ ኣለው


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ኣብ ካይሮ ግብጺ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣሲሲን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሳመሕ ሾክሪን ተራኺቡ ብዛዕባ ኩነታት እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ተዘራሪቡ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ግብጺ ኣብ ምዕዋት ምቁራጽ ተኹሲ ክልቲኦም ወገናት ልዑል ተራ ከምዝነበራ ይግለጽ ኣሎ። ' ግብጺ ኣብ ምሽምጋል ምቁራጽ ተኩሲ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ`ያ- ዮርዳኖስ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣብቲ ዞባ ናይ ሰላምን ህድኣትን ድምጺ ኮይና ጸኒሓ`ያ' ኢሉ ኔሩ ። ንሱ ድሕሪ ዑደት ግብጽ`ውን ናብ ዮርዳኖስ ከምርሕ`ዩ።

ሎሚ ኣቐድም ኣቢሉ`ውን ኣብ እስራኤል ምስ ፕረዚደንት ረኡብን ረቭሊን ተራኺቡ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG