ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኹናት ደው ክብል ጸዊዖም


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኩሉ ውግእ ጠጠው ክብል ፀዊዖም። እቲ ፃውዒት ይቐርብ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ወታሃደራቶም ኣብ ከተማ መቐለ ዝረኸቡዎ ዓወት ኣብ ዘወደስሉ እዋን'ዩ።

"ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪብና፤ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ክብል፣ልዝብ ክጅመር፣ነፃ፣ዕንቅፋት ዘይብሉ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክህልው ኣለዎ’’ ክብሉ ፖምፒዮ ትማሊ ሶኑይ ብትዊተር ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅምር ኣገልግሎታት ቴሌኮምኒኬሽንን ኢንተርኔትን ብዘይምህላው ይቐርቡ ዘለው ህውከትን ብዝሒ ሞትን ምርግጋፅ ኣይክኣልን።

መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \ህወሓት\ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብናይ ፅሑፍ መልእኽቲ /text/ እቲ ውግእ ከምዝቐጸለን ሓይልታቶም ንነፋሪት ወግእ ኢትዮጵያ ሃሪሞም ምውዳቖም ገሊጾም ኣለው።

ካብ መንግስቲ ይኹን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ኣይተወሃበን።

XS
SM
MD
LG