ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን ሎሚ ሰሉስ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ዜና "እቶም ሚኒስትር ወጻኢ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ህጹጽ፣ ነባሪን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተጻብኦን ብኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣስሚሮምሉ" ኣለው።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ናብ ትግራይ ዘስግሩ ድልድላት ምስባሩን ካልኦት ዕንቅፋታትን ኮኒኖም። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ዝዘተየሉ ኣጀንዳ ተገዳስነት ከርእዩ ኣንተንይ ብልንክን ጸዊዖም።

ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ፣ ሙሉእ፣ ውሑስን ዕንቅፋት ዘይብሉን ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ይጽበ ዘሎ ህዝቢ፣ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዒን ዝፈጸሙ ብነጻ ኣካል ንክጻረን ፈጸምቱ ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ፣ከምኡ'ውን ውሽጣዊን ደጋዊን ዶብ ኢትዮጵያ ብዝኾነ መልክዕ ብሓይሊን ንሕገ መንግስቲ ብዝጣሓሰ መገዲ ክልወጥ ከምዘይግባእን ኣዘኻኪሮም።

ብተወሳኺ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን፣ ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ምስላጥ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጉላህ፣ ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ዓሌታዊን ፖለቲካዊን ምክፍፋል ንምፍታሕ ዘለዎ ተራ ኣትሪሮም ገሊጾም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG