ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እንግሊዛዊ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ኩነታት ትግራይ ከምዘሻቐሎም ገሊጾም


'ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሙሉእ ትግራይ ንክኣቱ' ኣብ ብሪጣንያ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ጀምስ ደድሪጅ ጸዊዖም።

ንሶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ 'ዓባይ ብሪጣንያ ብኩነታት ትግራይ ዓሚቅ ሻቅሎት ሓዲሩዋ ከምዘሎ፣ ህውከት፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ይፍጸም ከምዘሎ፣ ጽንኩር ሕጽረት መግቢ፣ ማይ፣ ነዳዲን ገንዘብን ተኸሲቱ ከምዘሎ’ውን' ጠቂሶም።

ጀምስ ደድሪጅ ወሲኾም 'ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ሙሉእ ትግራይ ናይ ምእታው ዓቅሞም እንተዘይተማሓይሹ፣ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ንዝተናወሐ ስቃይ ክቃላዕ እዩ’ውን' ኢሎም።

እቶም እንግሊዛዊ በዓል ስልጣን 'ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ሓይልታት ትካላት ረድኤት ከምድላዮም ንክንቀሳቀሱ ክፈቅዱ፥ ናጻ ኣናዳዪ ሓቂ ኣትዩ ንዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንከጻርዩ ደጋጊምና መጸዋዕታ ኣቅሪብና ኢና' ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG