ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ራምስፊልድ ዓሪፎም


ቅድሚ 18 ዓመታት፣ ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ኣብ ዘወገደ ኣሜሪካ ዝመርሐቶ ወፍሪ ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ዝነበሩ ዶናልድ ራምፈልድ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።

ብመሰረት ወሃቢ ቃል ስድራ ራምፈልድ፣ ኣብ ኒውሜክሲኮ ዝርከብ መንበሪኦም’ዮም ዓሪፎም‘።

ዶናልድ ራምፈልድ፣ ድሕሪ ወፍሪ ዒራቅ፣ ሓደ ወርሒ ሕልፍ ኢሉ፣ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝተኻየደን ንስርዓት ጣሊባን ካብ ስልጣኖም ዘወገደ ወፍሪ’ውን ከምዝመርሑ ዝዝከር እዩ።

ንሶም ካብ ስልጣን ዝወረዱ፣ ወትሃደራት ኣሜሪካ፣ ንወትሃደራት ዒራቅ ጨካን ኣተሓሕዛ ከምዝገበሩሎም ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ናብ ህዝቢ ምፍናው ከምዝነበረ እቲ ዜና ይሕብር።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG