ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ፍትሒ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ዳርጋ ንኹሉ ዓይነት ምስዳድ ወይ ምንፃል ጥንሲ ዝኽልክል ሓዱሽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ከየውዕል ናይ ፌደራል ዳኛ ክእግዶ ብምሕታት ህፁፅ ጥርዓን ኣቕሪቡ።ምምሕዳር ባይደን እቲ ሓዱሽ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ናይ ምቁራፅ መሰለን ዝፃባእ ዘይሕገ መንግስታዊ ስጉምቲ እዩ ይብል።
ምስንቴር ፍትሒ 45 ገፅ ዝሓዘ ጥርዓን ትማሊ ሰሉስ ናብ ናይ ከባቢያዊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣቕሪቡ ኣሎ።ምንስቴር ፍትሒ እቲ Senate Bill 8 ብዝብል ዝፍለጥ ሓዱሽ ሕጊ ‘’ደቂ ኣንስትዮ ሕገ መንግስታዊ መሰለን ከይጥቀማ ዝኽልክል እዩ’’ክብል ይከራኸር።
እዚ ህፁፅ መስርሕ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ሓዱሽ ሕጊ ቴክሳስ ዝወሰዶ ካልኣይ ሕጋዊ ስጉምቲ እዩ።
ካብ 1 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ እዚ ሓዱሽ ሕጊ ሽዱሽተ ሰሙን ዝገበረ ጥንሲ ምስዳድ ከመዘይክኣል ይኽልክል። ተቓወምቲ ናይዚ ሕጊ ሽዱሽተ ሰሙን መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ምሓዘንኳስ ኣይፈልጣን ይብሉ።ብኣስገዳድ ተደፊረን ወይ ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ሕውነት ዘለዎም ሰባት ብዝፍፀም ርክብ ግብረስጋ ዝፍጠር ጥንሲ እቲ ሕጊ ሕድገት ይገብር።
ቴክሳስ ‘’ትርግታ ልቢ’’ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጥንሲ ናይ ምውራድ እገዳ ኣብ ግብሪ ካብ ዘውዓላ ብሪፓብሊካዊያን ዝምርሓ ደርዘን ክፍለ ግዝኣታት ሓንቲ እያ።መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ሽዱሽተ ሰሙን ሓል ሓሊፉ እታ ጥንስቲ ነፍሰ ፁር ምዃና ከይፈለጠት እቲ ዝተጠንሰ ልቡ ትርግ ምባል እንተድኣ ጀሚሩ ማለት እዩ።
ኣብያተ ፍርዲ ቅድሚ ሎሚ ከምዚኦም ዝበሉ እገዳታት ከይፍፀሙ ከልኪሎም እዮም።ደቂ ኣንስትዮ ካብ መጠን ዝሓለፈ ጣልቃ ምእታው መንግስቲ ከይዓገተን ሕገ መንግስታዊ መሰለን ተጠቒመን ጥንሲ ክሰዳ ይኽእላ እየን ብዝብል ስነ መጎት።
እቲ ናይ ቴክሳስ ሕጊ ፀረ ምንፃል ጥንሲ ብዘይተለምደ ኣገባብ ተራ ዜጋታት ጥንሲ ናይ ምውራድ ኣገልግሎት ንዝህቡ ትካላት ወይ ጥንሲ ክስደድ ንዝሓገዘ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክኸሱ ስልጣን ዝህብ እውን እዩ።ከሲሶም ዝዕወቱ ድማ ክሳብ 14,000 ዶላር ካሕሳ ይሽለሙ።