ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ክታበት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣተኣታትዩ


ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ክታበት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣተኣታትዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:04 0:00

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ክታበት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣተኣታትዩ

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓድሽ መከላኸሊ ክታበት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣተኣታትዩ።

እዚ ካብ 21 ሕዳር ክሳብ 25 ሕዳር ብደረጃ ሃገር ብመልክዕ ወፍሪ ንፈለማ እዋን ክወሃብ ዝጀመረ ክታበት፡ዕድሚኤን ካብ 9 ክሳብ 14 ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ክልተ ግዜ ከምዝወሃብ ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።

ነዚ መደብ ንምዕዋት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣስተምህሮን ጎስጓስን ክካየድ ከምዝጸንሐን ዘድሊ ንዋትን ዓቕሚ ሰብን ብምውዳድ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝኸኣለ ኣቶ ቴድሮስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ነተን ኣብ’ዚ ወፍሪ ክታበት ዘይኣተዋ ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ፡ኩነታተን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፍሉይ ናይ መርመራ መደብ ከምዝወሃብ ኣቶ ቴድሮስ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG