ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብመርፍእ ዝወሃብ ክታበት ፖልዮ ይህብ ምህላው ተሓቢሩ


ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተራእየ ባህሪኡ ዝለወጠ ሕማም ፖልዮ ንምክልኻል ብደረጃ ሃገር ብመርፍእ ዝወሃብ ክታበት ፖልዮ ይህብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ሃገራዊ መደብ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ 23 ክሳብ 25 ሰነ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ካብ ወርሒ ለካቲት 2021 ንደሓር ዝተወልዱ ብመርፍእ ኣብ ጭዋዳ ዝወሃብ ክታበት፡ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናትን ቆልዑን ከኣ ቫይታሚን ‘ኤ’ ከምዝወሃቦምን ገሊጹ’ሎ።ነዚ ወፍሪ ንምዕዋት ኩሉ ዘድሊ ምድላዋት ተጻፊፉ ድሮ’ውን ክታበት ክወሃብ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣቶ ቴድሮስ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG