ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ መጠን ምሕዋይ ሕማም ቲቢ ልዕሊ 90% ከምዝበጽሕ ገሊጹ


መጠን ምሕዋይ ሕማማት ቲቢ ብሜላ ፍወሳ ዶትስ ናብ 92% ክብ ከምዝበለ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ጥዕና ብዘካየዶ ጻዕርን ዝሓንጸጾ ስትራቴጅን 61% ካብቶም ሕማም ቲቢ ኣለዎም ዝበሃሉ ጥርጡራት ከምእተለለዩ ብምጥቃስ መጠነ-ሞት ብ85% ከምዝጎደለ ሓላፊት ምቁጽጻር ሕማም ቲቢ ሲስተር ሂወት ንጉሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ።

ዳይረክተር ሆስፒታል መርሓኖ ኣቶ ገብረመስቀል በላይ ብወገኑ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ን259 ሕሙማት ኣገልግሎት ከምዝሃቡ ብምግላጽ ምኽፋት ናይ’ዚ ሆስፒታል ኣብ ምንካይ መጠነ-ሞት ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ መጠን ምሕዋይ ሕማም ቲቢ ልዕሊ 90% ከምዝበጽሕ ገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:31 0:00


XS
SM
MD
LG