ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ሰብ ሞያ ከምዝቖጽር ኣፍሊጡ


ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ
ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ስሩዕ ናይ መንግስቲ ምቑፃር ሰራሕተኛታት ወፃኢ ልዕሊ 6,000 ሰብ ሞያ ሕክምና ንምቁፃር ምድላዋ ኣፍሊጣ።

ኣብታ ሃገር ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ከምዝርከቡ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ኣብዚ ሓዱሽ ናይ ኣውሮጳዊያን ዓመት 2022 ካብ መሻርኽቲ ትካላትን ፌደራል መንግስትን ብዝተረኸበ ገንዘብ ሓደሽቲ ተመረቕቲ ሓካይም ናብ ስራሕ ንምውፋር ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዕላማ ናይዚ መደብ እቲ ሕብረተሰብ ፅፈቱ ዝተሓለወ ኣገልግሎት ጥዕና ክረክብ ብብዙሕ ወፃኢ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ከይባኽን እዩ ክብላ ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

XS
SM
MD
LG