ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዕስክርና ሩስያ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ


ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ኣብ ጎድኒ ሩስያ ንምስላፍ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ክርአ ዝቐነየ ነዊሕ ሪጋ፡ ኤምባሲ ሩስያ ኣብታ ሃገር ኣሉታዊ ምላሽ ድሕሪ ምሃቡ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ድማ ነቲ መግለጺ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ሎሚ ኣፍሊጡ። “ሓንቲ ሃገር ኣብ ውሽጢ ልዑላዊት ካልእ ሃገር መንእሰያት ከተሰልፍ ንውዕል ቬና 1961 ከም ዝጥሕስ" ዘመልከተ መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ኤምባሲ ሩስያ ቅልጡፍ ምላሽ ምሃቡ መጒሱ።

መዓልታዊ ክውስኽ ከም ዝቐነየ ዝተገልጸ መስርዕ መንእሰያት ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ኣቓልቦ ማሕበራዊ መረኸቢታትን ገለ ማዕከናት ዜና ኰይኑ ቀንዩ። ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ወኪል ድምዲ ኣመሪካ ነቶም “ናብቲ ኲናት ክኸቱ ምምጻኦም” ዝሓበሩ መንእሰያትን ኤምባሲ ሩስያን ኣብ ዘዛረበሉ፡ ብወገን እቲ ኤምባሲ ከምኡ ዝመስል ናይ ምዕስካር መደብ ከም ዘይብሎም ገሊጾም ነይሮም። ከም ኣገላልጻ እቲ ኤምባሲ እቶም ኣብኡ ዘለዉ መንእሰያት ደገፎም ንሩስያ ንምርኣይ ኣብቲ ቦታ ምርካቦም ምሕባሮም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG