ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ዘተኮረ ስራሕ ይሰርሕ


አባላት ሃገራዊ ሽማግለ ባህርያዊ ድኹዒን መከላኸሊ ባልዓት ቡቕልን ኤርትራ

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ሞያውያን ዝሓቖፈ ሃገራዊ ሽማግለ ባህርያዊ ድኹዒን መከላኸሊ ባልዓት ቡቕልን ኣቑሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ብሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕርን ካልኦት መሻርኽትን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት፡ ባህርያዊ ጸጋታት ባሕርን መሬትን ተጠቂምካ ልዑልን ጥዑይን ምህርቲ ብምስሳን ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ምርግጋጽ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ናይ’ታ ሽማግለ መንእሰይ ደርማስ ስልጣን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ።

ሓረስታይ ብቐረባ ኣብ ከባቢኡ ብዝረኽቦም ኣብ መግብን እንስሳን ዘይውዕሉ ኣትኽልቲ፡ጻህያይን ተረፈ ምህርቲ ዓሳታትን ተጠቂሙ ብንኡስ ዓቕሙ ኣብ ውሑዳት መዓልታት በምምስራሕ ተጠቃሚ ዝገብር ሓዲሽ ተክኖሎጂ ከምዝኾነ ጠርናፊ ናይ ጉጅለ ባህርያዊ ድኹዒ ዮሴፍ ተወልደ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ብመልክዕ ፈሳስን ድሩቕን ዝዳሎ ባህርያዊ ድኹዒ ንኩሎም ኣትኽልቲ ከምዘገልግል ኣባላት ናይታ ጉጅለ የረድኡ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ዘተኮረ ስራሕ ይሰርሕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:47 0:00


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG