ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ን40 ሽሕ ስድራቤታት ጨቓዊት ይዕድል ከምዘሎ ገሊጹ


ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ን40 ሽሕ ስድራቤታት ጨቓዊት ይዕድል ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ 1 ሚልዮን ናይ ሓደ ወርሒ ናይ ገደና ጨቓዊት ን40 ሽሕ ስድራ-ቤታት ይዕድል ከምዘሎ ግዝያዊ ሓላፊ ጨንፈር ልምዓት ቡቕልን እንስሳን ኣቶ ካሕሳይ ነጋሽ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ መደብ፡ስድራ-ቤታት ብዓቕመን ዝኣልየአን ናይ ገደና ደርሁ ብርትዓዊ ዋጋ ብምርካብ ፡ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ንምርግጋጽን መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ከምዝኾነ ዝገለጸ ኣቶ ካሕሳይ: ዛጊት 12,438 ስድራ-ቤታት ተጠቀምቲ ናይ’ዚ መደብ ኮይነን ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ጨንፈር ሓለዋ ጥዕና እንስሳን ቡቕልን ዶ/ር ዮናስ ብግዲኡ እተን ጨቃዊት ግቡእ ሕክምናዊ መስርሕን ክታበትን ሓሊፈን ናብ ተጠቀምቲ ከምዝዕደል ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG