ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ.ሕርሻ ኤርትራ  ንወራር ኣንበጣ ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ውሁድ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ


ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ንወራር ኣንበጣ ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ውሁድ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር፡ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ወራር ኣንበጣ ኣቑሙ፥ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሳገምን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጽፈን ዕስለ ወራር ኣንበጣን ኣብ ዘራእትን መጋሃጫን ጉድኣት ከየውረደ ንምቁጽጻሩ ዝሕግዝ ስትራቴጂ ሓንጺጹ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ 6,000 ሄክታር ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ብዝተገብረ ውሁድን ኣድማዕን ስራሕ፥ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ኣብ ቁጽጽር ከምኣተወ ኣብቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ወራር ኣንበጣ ናብ ኤርትራ ናይ ምስጋር ሰፊሕ ተኽእሎ ስለዘለዎን ንምምካቱ ኣድላዪ ምድላዋት ተጻፊፉ ከምዘሎን`ውን ኣቶ ቴድሮስ ሓቢሩ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG