ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገበሮ መጥቃዕቲ ብጽኑዕ ንኹንን ኢሉ።
ፖምፒዮ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገበሮ መጥቃዕትን ነቲ ግጭት ኣህጉራዊ ቅርጺ ከትሕዞ ምፍታኑን ብትሪ ንኹንን ክብል ጠቒሱ።
ኣምስዚ ብምትሕሓዝ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ህወሓትን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ነቲ ግጭት ከህድኡን ሰላም ክዕቅቡን ንሲቪላት ክሕልዉን ኣተሓሳሲቡ።
ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ: ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።