ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ንመጥቃዕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኮኒኑ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገበሮ መጥቃዕቲ ብጽኑዕ ንኹንን ኢሉ።

ፖምፒዮ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገበሮ መጥቃዕትን ነቲ ግጭት ኣህጉራዊ ቅርጺ ከትሕዞ ምፍታኑን ብትሪ ንኹንን ክብል ጠቒሱ።

ኣምስዚ ብምትሕሓዝ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ህወሓትን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ነቲ ግጭት ከህድኡን ሰላም ክዕቅቡን ንሲቪላት ክሕልዉን ኣተሓሳሲቡ።

ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ: ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG