ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኢትዮጵያ ኣትዩ


ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈላሚ ዑደት ዝገብር ዘሎ ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኲን ጋንግ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘናኡ ደመቀ መኮነንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘተኰረ ምይያጥ ምግባሩ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓጺር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ድሕሪ’ቲ ክልተኣዊ ርክብ ኣብ ናይ ትዊተር ወግዓዊ ገጾም ኣብ ዝጸሓፉዎ መልእኽቲ፡ “ርክብ ክልተኦም ኣካላት ንስትራተጃዊ ሸቶታትን ሓባራዊ ምዕባለን ዘነጽር’ዩ” ኢሎም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ቀጺሉ ናብ ጋቦን፡ ኣንጎላ፡ በኒንን ግብጺን ክበጽሕ መደብ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሚኒስተር ኲን ጋንግ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓሉ እዋናት፡ ንጽባሕ ረቡዕ ናብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ በጺሑ ምስ ኮሚሽነር እቲ ውድብ ሙሳ ፋኪ መሃመት ክራኸብ’ውን መደብ ወጺኡ ኣሎ።

ዑደት ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብቕድሚኦም ሰብ-መዚ እታ ሃገር ኣብ መጀመሪ ዓመት፡ ናብታ ብዙሕ ወፍሪ ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝግበር ዑደት ምዃኑ ዝበጽሓና ዜና ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG