ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ፈጺሙ


ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጕጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምጽዋዕ ኣትዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣስመራ ብምቕጻል ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሰብ መዚን መንግስቲ ኤርትራ ተራኺቡ ምዝታዩ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ኣተኲሮም ምዝታዮም ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣመልኪቱ። ድሕሪ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ሚኒስተር ላቭሮቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ንተኽእሎታት ምምዕባል መዓርፎ ነፈርቲን ወደባትን ኤርትራ፣ ዝምድና ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፣ ዞባዊ ምርግጋእን ካልኦት ኣርእስታትን ከም ዝዘተዩ ኣመልኪቱ።

ሚኒስተር ላብሮቭ ድሕሪ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ምይይጥ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሓወልቲ ፑሽኪን በጺሑ።

ላዕለዋይ ጕጅለ ልኡኽ ሩስያ ኣማስያኡ ብመገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ምጽዋዕ ንሃገሩ ተፋንዩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG