ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ጀርመን ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ


ሚንስተር ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ምተሕግጋዝ ፈደራላዊ ሪፓብሊክ ጀርመን ዶክተር ገርድ ሙለር ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ዶክተር ገርድ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ፡ካብ ክልቲኤን ሃገራት ሓሊፉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሰላምን ምተሕግጋዝን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈት ስምምዕ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታቶም ኣወሃሂዶም ናይ ክልትኡ ሃገራት ህዝብታት ናብራ ንምምሕያሽ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝጀመሩ ክገልጽ ከሎ፡ዶክተር ገርድ ብወገኑ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ዕርቀ ሰላም ከምትድግፎን ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብጻሕ ከምትሰርሕን ኣረጋጊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG