ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ: ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ስሉሳዊ ጉዳያት ሃገራቶም ዘትዮም


ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ስሉሳዊ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ሓድሕዳዊ ምድልዳል ሰላም፡ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ኣብ ሞንጎ ሃገራቶም ዘትዮም።

እቶም ሚኒስተራት ጉድያት ወጻኢ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎድኒ ጎድኒቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 73 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ተሃድሶ ለውጥን ንድሌት ኢትዮጵያውያን ከማልእ ዝግስግስ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ: ኣብ ጉዳያት ደሞክራሲ፤ ግዝኣተ ሕጊ ፤ ፖለቲካ፤ ቁጠባ ማሕበራዊ ማዕርነትን ፍትሕን ብዝበለጸ ንኽዓብዩ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ተንቲኑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ: እቲ ኣብ ዕርቅን ሕድገትን ኣምር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምርኩስ ገይሩ ኣብ ምምዕባል ደሞክራሲ ምሕደራን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝስራሕ ዘሎ ስርሓት ድማ ንሓድነት ኢትዮጵያ የጠናኽር ምህላው ገሊጹ።

መልእኽቲ ናይዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ከይተሓጽረ ክንዮ ዶባት ኢትዮጵያ: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ብምፍጣር ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣህጉራዊ ድጋፍን ሓገዝን ይረክብ ምህላው ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ሰለስቲኦም ሚኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኢትዮጵያን ጅቡትን ንሰላምን ምትሕግ ጋዝን ብዝበለጸ ክሰርሑ ምዃኖምን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ብሓባር ብምስራሕ ንዝተበጽሐ ደረጃ ምትሕግ ጋዝ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ከብልዎ ድልውነቶም ከምዘረጋገጹ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተዋህበ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG