ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚሳይላት ኢራን ኣብ ወሽመጥ ፐርሽያ ክበጽሑ ከምዝክእሉ ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን'ታ ሃገር ኣጠንቒቆም


ፋይል
ፋይል

ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፍሉይ ወታደራዊ ሓይሊ ኢራን /Revolationary Guards/ ናይ ሓፂር ርሕቐት ሚሳይል ኢራን ኣብ ወሽመጥ ፐርሺያ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ውግእ ብቐሊሉ ክበፅሕ ይኽእል እዩ ምባሎም ወግዓዊ ኣገልግሎ ዜና ፋርስ ሓቢሩ።

ምኽትል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ መሓመድ ሳሊሕ ጆካር ነዚ ርእይቶ ዝህቡ ዘለው ወጥሪ ኣሜሪካን ኢራንን እናልዓለ ይኸይድ ኣብዘለሉ እዋን እዩ።ኣሜሪካ ካብታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ክመፅእ ዝኽእል ስግኣት ንምምካት ብዝብል ተወሰኽቲ መራኽብ ውግእ ብምውፋርን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነብረ ማዕቐብ ክፀንዕ ምግባርን ትርከብ።ውሽመጥ ፐርሽያ ሓደ ሲሶ ናይ ዓለም ነዳዲ ዝጉዓዘሉ ሓደ ካብ ናይ ዓለም ስትራተጂያዊ መተሓላለፊ ማያት እዩ።

ጆካር ኣሜሪካ ሓድሽ ኲናት ከዋፅኣ ኣይክእልን እዩ፤ግጭት ንናይ ዓለም ቀረብ ነዳዲ ብከቢድ ክጎድኦ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።ንሶም ብምቕጻል ኲናት እንተድኣ ተላዒሉ ዓለም ኣዚያ ክትጉዳእ እዩ ኢሎም።


XS
SM
MD
LG