ኣስመራ —
ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ሎሚ ብወግዒ ተጀሚሩ`ሎ። ጎኒ ንጎኒ`ውን ንሕጻናት ቫይታሚን `A` ይዕደል ኣሎ።
ኣብ`ዚ ካብ ሎሚ 15 ሕዳር ክሳብ 31 ሕዳር ንክልተ ሰሙናት ዝቕጽል ወፍሪ፡ ካብ 1-30 ዝዕድሚኦም 3 ሚልዮን ሰባት ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ከም ዝረኽቡ፡ ሓላፊ ሸፈነ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ`ሎ።