ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

160 ሚልዮን ካብ ህጻናት ዓለም ኣብዚ እዋን ዓለምለኸ ለበዳ ኣብ ግዱድ ሸቕሊ ከምዝተዋፈሩ ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


160 ሚሊዮን ቆልዑ ዓለም ኣብ ግዱድ ሸቕሊ ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ሓደ ሓዱሽ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ።ካብ 2016 ዝነበረ ጸብጻብ ብ8.4 ሚሊዮን ወሲኹ ኣሎ።

ዓለምለኸ ናይ ሰራሕተኛ ውድብን ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ ለበዳ ኮቪድ19 ነቲ ብዓንተብኡ እውን ዘሰክፍ ዝነበረ ኩነታት ኣግዲዱዎ ኣሎ ይብል።

ብመሰረት እቲ መረዳእታ ኣስታት ፍርቂ ወይ 79 ሚሊዮን ህፃናት ንኣካላዊ፣ ኣእምሮኣዊን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክቐትል ኣብ ዝኽእል ሓደገኛ ስራሕ ተዋፊሮም ይርከቡ።

ነዚ ንምቕያር ሓፈሻዊ ረብሓታትን ፅፉፍ ትምህርትን ክሕልው ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ዝገብር ብቑዕ ማሕበራዊ ሓለዋ ክረጋገፅ ክልቲኦም ዓለምለኸ ውድባት ፀዊዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG