ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

50.8 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ካብ መነባብርኡ ምዝንባሉ ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ሓቢሩ


50.8 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ብሰንኪ ግጭት፣ ህውከትን ጥፍኣትን ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ከምዝርከቡ ሓደ ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካል ቤት ምኽሪ ኖርዌይ ዝኾነ ማእከል ምቁጽጻር ተመዛበልቲ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፣ ኣስታት 33.4 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ’ታ ዝተዛዘመት ዓመት ዝተፈናቀሉ ምኻኖም ይገልጽ።

እቲ ሪፖርት ወሲኹ፣ ሶርያ፣ ኮሎምቢያ፣ ሪፐብሊክ ኮንኮ፣ የመንን ኣፍጋንስታንን መብዛሕተኦም ካብ’ቶም ዝተመዛበሉ ህዝቢ ከምዝኾኑ እውን ጠቂሱ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ዞባ ሳሕልን ብሰንኪ ህውከት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ድማ ብሰንኪ ግጭት ምፍንቃል ከምዘጋጠመ’ውን እቲ ሪፖርት ወሲኹ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG