አዲስ አበባ —
39 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ህፃናት ብከቢድ ድኽነት ከምዝሳቐዩ ሓደ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ።መጠንን ዕሙቐትን ድኽነት ካብ ከተማ ኣብ ገጠር ከምዝገድድ እቲ መፅናዕቲ ሓቢሩ’ሎ።
እቲ በዓል ብዙሕ ገጽ ድኽነት ህጻናት ኢትዮጵያ ዝብል መጽናዕቲ ከምዝሃበሮ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለው ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም 41 ሚልዮን ህጻናትን ቆልዑን እቶም 36 ሚልዮን ዝኾኑ መባእታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘይክእሉ እዮም ይብል።