ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መፍረ ሓሽሽ ኣፍጋኒስታን ኣብ እዋን ጣሊባን ይዓቢ


ፋይል
ፋይል

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ መጽናዕቲ ከም ዘመልቶ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝፈሪ ተኽሊ ዕጸ-ፋርስ ብ32% ዓብዩ። እዚ ኣብ እዋን ምምሕዳር ጣሊባን ነቲ ኣወላፊ ሓሽሽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ድሕሪ ምኽልካሎምን’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ኣወለፍቲ መድሃኒታትን ገበናትን ዝቆጻጸር ቤት ጽሕፈት ብዘውጽኦ መጽናዕቲ መሰረት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንንጻር ፍርያት ሓሽሽ ኦፒዮም ኣብ ኣፍጋኒስታን ብ32% ዓብዩ ኣሎ።

ንኣፍጋኒስታን ዝመርሕ ዘሎ ጣሊባን፡ ንኣወላፊ ሓሽሻት ምፍራይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከልኪሉ። እቲ መምርሒ ግን ንዕብየት እቲ ፍርያት ኣይጸለዎን። ኣብዚ እዋን ኣስታት 233-ሽሕ ሄክታር መሬት ንኣወላፊ ዘርኢ የብቁል ኣሎ። ቅድሚ ምቍጽጻር ጣሊባን እቲ መጠን ስፍሒ 177-ሽሕ ሄክታር ጥራይ’ዩ ነይሩ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ዝርጋሐ መፍረ ዕጸ-ፋርስ ኣብታ ሃገር ዝተረረ ቍጽጽር ካብ ዝግበረሉ እዋን 1994 እቲ ዝዓበየ ምዃኑ’ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ደርቂ፡ መጠን ፍርያት ዕጸ-ፋርስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብ10% ጎዲሉ ነይሩ።ጣሊባን ግን ነዚ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣይቅበሎን’ዩ።

ኣብ ሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፋጋኒስታን፡ ሓላፊ ምክትታል ናርኮትኪክስ ዝዀነ ሓሲቡላህ ኣሕማዲ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፤ነቲ ጸብጻብ ምሉእ ብምሉእ ኢና እንነጽጎ። እስላማዊ መሪሕነት ንጉዳይ ኣደንዘዝቲ ፍርያት ብዕቱብ’ዩ ዝቆጻጸሮ። ድሕሪ ላዕለዋይ መሪሕነት ጣሊባን እቲ ዘርእታት ከይበቍል ምኽልኻሎም፡ ዝዝራእ ኰነ ዝሽየጥ ኣወለፍቲ ተኽልታት የለዉን”ይብል።

መሪሕነት ጣሊባን፡ ኣብ ምጥፋእ እቲ ኣወለፍቲ ተኽልታት ከም ዝተዓወቱ ይዛረቡ። ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ግን ካልእ ምስሊ’ዩ ዝህብ። ዕብየት እቶት ነቲ ተኽሊ ዘፍርዩ ሓረስቶት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ካብ 425 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ኣብዚ ዓመት ናብ 1.4 ቢልዮን ዶላር ክብ ምባሉ መዛግብቲ ሕቡራት ሃገራት ይጠቕሱ።

ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብጽቡቕ ዝተቐበሉዎ ነበርቲ ካቡል ግን ኣለዉ። ምስቲ ዝወጸ ጸብጻብ ተኣሳሲሩ ዝዓበየ ክትትል ክግበር ድማ ተስፋ ይገብሩ።

ነባሪ ከተማ ካቡል ዝዀነ ታጅ መሓመድ እቲ ኣሃዝ ሕቡራት ሃገራት’ውን ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክትሕት ከም ዝኽእል ይምጕት።

“ከም ዝመስለኒ ኣብ ተኽሊ ሓሽሽ ዘሎ ዕብየት ካብቲ ተሓቢሩዎ ዘሎ 32% ንላዕሊ ዝኸይድ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ብሓሽሽ ዝውለፉ ዜጋታት ኣይንርኢን ኢና ኔርና። ሕጂ ግን ኣብ ከባቢና ጥራይ ልዕሊ 500 ዝበጽሑ ውሉፋት ኣለዉ።”

ዕብየት ፍርያት ዘርኢ ዕጸ-ፋር ማዕረኡ’ውን ተወለፍቲ የዕቢ ኣሎ። ኣብ ሓያሎ ነባሮ ዘሎ ስክፍታ ድማ እዚ’ዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ መሪሕነት ጣሊባን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነ ዓብዱል-ሳላም ሃናፊ፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዝበጽሑ ውሉፋት ሓሽሽ ከም ዘለዉ ተኣሚኑ ነይሩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ካብቲ ኣብ 2015 ዝነበረ ብዝሒ ብ1.5 ሚልዮን ምዕባዩ’ዩ ዘርኢ። እንተዀነ ካብቲ ወልፊ ንምግልጋል ዝሕግዙ ቀረባት በብእዋኑ ይውሕዱ’ዮም ዘለዉ።

ድሕሪ ምቍጽጻር ጣሊባን፡ ንሓገዝ ኣወለፍቲ ተኽልታትን ካልእ ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ንኣፋጋኒስታን ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ብፍርቂ ጎዲሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG