ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጽሓፍ `የኑረነቢ ማህደር` ናብ ትግርኛን እንግሊዝኛን ተተርጕማ፡ ተርጎማታን ኣንበብታን እንታይ ይብሉ?


“የኑረነቢ ማህደር” ብፍሉጥ ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸት ዳሕረወይቲ መጽሓፉ`ያ። ብመንእሰይ ዳንኤል ሃብተማርያም ናብ ትግርኛ ተተርጕማ ፡ ተሓቲማ ፡ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ከምትምረቕ ደራሲ ሓቢሩ`ሎ።

ናብ እንግሊዝኛ ዝተርጎማ ድማ ጸሓፊ. ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ`ዩ። ኣብ መስርሕ ሕትመት ከምትርከብ ተፈሊጡ`ሎ። ክልቲኦም ኣብ`ዚ መደብ ቂሐ-ጽልሚ ቀሪቦም ኣለዉ።ኣብ ቀጻሊ ናብ ቋንቋ ትግረ ብጋዜጠኛ ሱሌማን ዓበ፡ ከምኡ ናብ ዓረብኛ ብኻልእ ሰብ ከም እትትርጎም እቲ ሓበረታ የመልክት።

ኣብ`ታ ናይ ትግርኛ ትርጉም፡ መቕድም ዝጸሓፈት ሚንስተር ቱሪዝም ወ/ሮ ኣስካሉ መንቀርዮስ፡ ከምኡ ርእይቶኣ ዘስፈረት ሓላፊት ሃገራዊ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኤርትራ ወ/ሮ ኣዜብ ተ ኣብ`ዚ መደብ ቀሪበን ርእይቶአን ሂበን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG