ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መጻኢ ናብ ኣፍሪቃ’ዩ” ፕረዚደንት ጆ ባይደን


ርክብ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ረቡዕ ኣማስያኦም ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ንመዘናታቶም ሰብ-መዚ እቲ ኣህጉር መደረ ኣስሚዖም። እቶም ኣመሪካውያን ሰብ-መዚ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎም ጽምዶ ብዝበርትዐ ከሐይሉ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ምስ ኣቦ-መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፕረዚደንት ሴነጋል ማክይ ሳል ዘዳለዉዎ ናይ ድራር እንግዶት፡ “መጻኢ ኣብ ኣፍሪቃ’ዩ ዘሎ” ኢሎም።

ፕረዚደንት ባይደን ንኣፍሪቃ ምስ ኣመሪካ “ንዘልኣለም ዘተኣሳስር ዕትብቲ” ዝበሉዎ ስለ ዘሎ ብጊላይነት ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ተወላዶ ኣፍሪቃ ዘይርሳዕ ታሪኽ’ዩ ኢሎም። ባይደን’ውን ኣስዒቦም ኣብ 2014 እቲ ፈላሚ ርክብ ክልተ ኣህጉር ክጅምር እንከሎ ምኽትል ፕረዚደንት ናይቲ ኣፍሪዊ መበቆል ዘለዎ ባራክ ኦባማ ምንባሮም ድርብ ሓላፍነት ከም ዝስምዖም ጠቒሶም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደረኦም፡ እቲ ኣብ ምጅማር ናይቲ ክልተኣዊ ርክብ ንኣፍሪቃ ዝወሃብ ናይ 55 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ መጀመሪ እምበር ናይ መወዳእታ ዘይምዃኑ ሓቢሮም። ወሲኾም ድማ ኣብ ክልተኣዊ ንግዳዊ ሽርክነት ዝውዕል ተወሳኺ 15 ቢልዮን ዶላር ነታ ኣህጉር ምስላዖም ሓቢሮም።

ኣመሪካ፡ ካብታ ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ዓቢ ወፍሪ እትገብር ዘላን ቀንዲ መወዳድርቲን እትርአ ቻይና ዝነኣሰ ወፍሪን ርእሰ-ማለን ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ንመዛንኦም ሰበ-ስልጣን እታ ኣህጉር መደረ ኣስሚዖም ነይሮም። ፖሊሲ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ “ምትሕብባር ምስ ሃገራት፡ ጽምጾ ምስ ናይ ውልቂ ኣውፈርቲን ዝምድና ምስ ህዝቢን’ዩ፡” ክብሉ ገሊጾም።

ብሊንከን ኣስዒቦም ኣብ ዓለም ዘጓንፉ ዘለዉ ተርእዮታት ከም ሓባራዊ ቍጠባ፡ ጥዕና፡ ምጕዳል ብከላ ኣየርን ብተናጸል ምዕማሞም ስለ ዘይከኣል፡ ንሓባራዊ ስራሕን ምትሕብባርን ዝዕድሙ’ዮም ኢሎም። ንሱ ስለ ዝዀነ ድማ ጽምዶ ምስ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ወሳኒን ዘይስገርን ምዃኑ ብሊንከን ገሊጾም።

ብሊንከን ቀጺሎም ኣብ በበይነን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነባሪ ምዕባለታት፡ ጥዕናዊ መዳያትን ዝገብረኦ ዘለዋ ኣበርኽቶ ዘርዚሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊከን ኣብ መዛዘሚ መደረኦም፡ ኣፍሪቃ ብጆኦፖለቲካዊ ቍመና ኣዝያ ወሳኒት ሓይሊ’ያ ኢሎም። ወሲኾም ድማ እታ ኣህጉር “ንሕሉፍ፡ ህሉዊን መጻኢን ኣብ ምቕላስ መሪሕ ተራ ነይሩዋ፡ ኣሎዋን ክህሉዋን’ዩ፡” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG