ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መጻኢ ሃገራዊ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዝፍተነሉ እዩ”ኣምባ. ሕ/ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ


ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ለውጢ ምዝራብ ማለት ለውጢ ምርግጋፅ ማለት ኣይኮነን ኢሎም።ሕብረት ኣውሮጳ ርክባት ክፈጥር ከሎ መሰረቱ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እዮም ዝበሉ ኣምባሳደር ዮሃን ቦርግስታም ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዝፍተነሉ እዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ዮሃን ቦርጉስታም ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ብዘለው ኣወንታዊ ለውጥታት ኣድናቖቶም ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መፁ ኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ምፍትሖምን ኣብ ስደት ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክንቀሳቐሱ ምኽኣሎምን ብምዝኽኻር ንዝተጀመረ ለውጢ ንኢዶም።

እቲ ለውጢ ናብዘይቕየረሉ ደረጃ ክበፅሕ ንምርግጋፅ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶ እዩ ኢሎም።

“ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኣውሮጳ ብዛዕባ ለውጢ ምዝራብን ለውጢ ምጅማርን ነቲ ለውጢ ክቕፅል ምግባር ማለት ኣይኮነን።ክልወጥ እየ ምባል ንርእሱ ለውጢ ኣይኮነን።ንዓሰርተታት ኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ምፍታሕ በይኑ ለውጢ ኣይኮነን።ሰባት ንመጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ከይእሰሩ ምርግጋፅ እዩ እቲ ሓቃዊ ለውጢ።”

እቶም ኣምባሳደር ንንመጻኢ ዝተርፍ ነገር ዶ/ር ኣብይ ዛጊት ዝወሰዱዎም ኣገደስቲ ስጉምታት መሓውራዊ መልክዕ ክሕዙ ምግባር እዩ ኢሎም ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት እቲ ሕብረት ከም በዓል ዋና ወሳኒ ተራ ክፃወት ኣይክእልን እዩ ኢሎም።ለውጢ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራሕ ከምዝመፅእ ብምሕባር ኣብ ምሕጋዝ ግን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ኩሎም ርክባት ሕብረት ኣውሮጳ እዩ ኢሎም።

“ንዓና ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት መሰረታዊ ነገር እዩ።ናይ ሕብረት ኣውሮጳ መሰረት እውን እዩ።ስለዝኾነ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምትሕብባራትና መጀመሪያ’ ዩ።ከም ሕብረት ኣውሮጳ ንዓለም እንርአሉ መነፅርን ምስ ዓለም እንራኸበሉን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እዩ።”

ድሕሪ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ትፅቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ምርጫ ሕብረት ኣውሮጳ ብዝለዓለ ትኹረት ከምዝሪኦን ኣምባሳደር ዮሃን ቦርግስታም ኣስሚሮምሉ።ዝቕፅል ምርጫ ብዘየማትእ ነፃ፣ፍትሓዊን ዓለምለኸ መዐቀኒታት ምርጫ ከማልእ ሕብረት ኣውሮጳ ተራኡ ክፃወት እዩ ኢሎም።

“ሕብረት ኣውሮጳ ድሓን ዝኾነ ገንዘብ ዘፍሰሰሉ ጉዳይ እዩ።ኣስታት 50 ሚሊዮን ዩሮ ንዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ መዲቡ’ሎ።ምስ ናይ ቀረባ መሻርኽትና ጥራሕ ከይኮነስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ቦርድ ሃገራዊ ምርጫ ብቐረባ ተዋዲድና ንሰርሐሉ ዓውዲ እዩ።”

እቲ ዝቕፅል ምርጫ ንናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ፈተና ከምዝኸውን ብምግላፅ ቀዳማይ ሚንስትር ብዛዕባ ምርጫ ብተደጋጋሚ ብዝተዛረቡዎን ብዘርኣይዎ ድልውነትን ከምዝተተባብዑን እውን ገሊፆም።

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ክልተን ሰለስተን ዓመታት ምስ ዝነበረ ከምዝፍለ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዮሃን ቦርግስታም ገሊኦም ወገናት ንዓመታት ዝደልዩዎን ዝተኸልከሉዎን መሰል ከይሓሰቡሉ ኣብ ኢዶም ብምእታው ኣብ ታሕጓስ ዝርከቡ ይመስለኒ እዚ ድማ ካብቲ ዘለናዮ ናበይን ከመይን ኢና ንኸይድ ዝብል ሕቶ ስለዘልዕል ዝዓበየ ነገር ዝመፁ ለውጥታት ንድሕሪት ዘይምለሱ ምዃኖም ምርጋግፅን መሓውራዊ ክኾኑ ምግባርን እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG