ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቓዕቲ ኢራን ኣብ መደበራት ኣሜሪካን መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሚሳይላት ብምውንጫፍ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡ ኽልተ መደበራት ኣየር ድሕሪ ምጥቕዓ ንህዝቢ ኣሜሪካ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ በቲ መጥቓዕቲ ዝጠፍአ ህይወት ኣሜሪካዊ የለን ኢሎም።

ኢራን ቃላ ብምሕላው ሕነ ቅትለት ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚኣ ናብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውግሕ ብዓሰርተታት ዝቑሰር ሚሳይላት ናብ ኽልተ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡን ወታደራት ኣሜሪካ ዝብገሰሉን መደብራት ኣየር ብምውንጫፍ ኣጥቒዓ’ላ።

ካብ ከተማ ባቕዳድ 60 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ መደብር ኣል-ኣሳድ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ኩርዲ ዝርከብ ኢርቢል እዮም ዒላማ ኮይኖም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ብላዕለዎት ኣማኸርቶምን ወታደራዊ ኣዘዝትን ተዓጂቦም ካብ ዋይት ሃውስ ብቐጥታ ንህዝቢ ኣብዘመሓላለፍዎ መደርኦም በቲ መጥቓዕቲ ዝተጎድአ ኣሜሪካዊ የለን ኢሎም።

“ብሰንኪ እቲ ስርዓት ኢራን ትማሊ ምሸት ዝፈነዎ መጥቓዕቲ ዋላ ሓደ ኣሜሪካዊ ከምዘይሞተና ክገልፀልኩም ከለኹ ዝለዓለ ታሕጓስ ይስምዓኒ።ህዝቢ ኣሜሪካ እውን ክሕጎስን ከመስግንን ይግባእ።ዝወረደና ጉድኣት የለን።ኩሎም ወታሃደራትና ድሕነቶም ውሑስ ኮይኑ’ሎ።ኣብ ወታሃደራዊ መደብርና ሒደት ጉድኣት ጥራሕ እዩ ወሪዱ። “

እቲ መጥቓዕቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ብናይ ኣሜሪካ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት/ድሮን/ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ዝተቐለ ኮማንደር ቃሲም ሶለማኒ ስነ ስርዓት ቀብሪ ምስተፈፀም ድሕሪ ደቓይቕ እዩ ተፈፂሙ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ቃሲም ሶለማኒ ዘስካሕክሑ ጭካነታት ብምፍፃም ዝሕተት እዩ ኢሎም።

ናይ ኢራን መንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ እቲ ናይ ኢራን መጥቓዕቲ ንኣሜሪካ ፅፍዒት እዩ ክብሉ ፀዊዖምዎ።ብልሽው ሃለዋት ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ከብቅዕ ኣለዎ እውን ኢሎም።

ናይ ኢራን ፕረዚደንት ሓሳን ሮሓኒ ብወገኖም ናይ ኢራን ናይ መወዳእታ መልሲ ሓይልታት ኣሜሪካ ካብቲ ዞባ ምብራር እዩ ክብሉ ብቲዊተር ኣፍሊጦም።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ብወገኖም ብቲዊተር ኣብ ዝለኣኹዎ ፅሑፍ ኣብ ክልተ ናይ ዒራቕ መደብራት ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ “ንርእስና ንምክልኻል ዝወሰድናዮ ተመጣጣኒ ስጉምቲ’’እዩ ኢሎም።ቴህራን “እቲ ወጥሪ ክንህር ወይ ኲናት ክለዓል ኣይትደልን፤ግን ንዝኾነ ይኹን ወራር ንርእስና ክንከላኸል ኢና’’ ኢሎም።

ፕረ. ትራምፕ እውን ንህዝቢን መራሕትን ኢራን ኣብዘሕለፉዎ መልእኽቲ ኣብ ውሽጥኹም ብልፅግና ምስ ሃገራት ዓለም ድማ ስኒት ክህልወኩም ኣሜሪካ ሰላም ምስ ዝደልዩ ንምስራሕ ቅርብቲ እያ ኢሎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንኒኩሌራዊ ኣፅዋር ዝምልከት ግን ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘለኹ ኢራን ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ክትውንን ኣይፍቀደላን ኢሎም።

“ንወራር ኢራን እንህቦ ግብረ መልሲ እናገምገምና ከለና ኣሜሪካ ከይደንጎየት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢራን ተወሳኺ ቀፃዒ ቁጠባዊ እገዳ ከተንብር እያ።እዚ ሓያል እገዳ እዚ ኢራን ባህሪያ ክሳብ እትቕይር ክቕፅል እዩ።”

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ዝመደብሩ ትካል ኣትላንቲክ ካውንስል ክኢላ ቶማስ ዋሪክ ኢራን ብካልኦት ናይ ውክልና ሚሊሺያታት ዘይኮነስ ብባዕላ ተወንጫፊ ሚሳይል ምትዃሳ ዓብይ መልእኽቲ ንምሕላፍ ስለዝደለየት ትመስል ኢሎም።

XS
SM
MD
LG