ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ጣሊባን ዝበርትዖ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ናብ ጎይቶት ኲናት የማዕዱ


ኣብ ከተማ ኩንድዝ ባንዴራ ጣሊባን የንበልብል
ኣብ ከተማ ኩንድዝ ባንዴራ ጣሊባን የንበልብል

ምስ ምውጻእ ሓይልታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ኣመሪካን ብወገን ዕጡቕ ጕጅለ ጣሊባን ንዝወርዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ምጽዋር ዝሰኣነ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ ናይ መጨረሽታ ድሕነቱ ኣብ ኢድ ቀዳሞት ጎይቶት ኲናት ዝተመልሰ ይመስል።

እቲ ብፕረዚደንት ኣሽራፍ ቓኒ ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶ ምብርባር ጎይቶት ኲናት፡ ናብቲ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምንስሓብ ሕብረት ሶቬት ካብታ ሃገር ዝነበረ ኩነታት ከይምለስ ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ሰራዊት ጉጅለ ጣሊባን፡ ንርእሰ-ከተማታት ገለ ኣውራጃታት እታ ሃገር ዝርከበን ሓያሎ ወሰንቲ ቦታታት ተቖጻጺሩ ኣሎ።

ገለ ካብቶም ኣቐዲሞም ኣንጻር ሰራዊት ሕብረት ሶቬት ነበር ዝዋግኡ ዝነበሩ ጎይቶት ኲናት ክሳብ ሽዱሽተ ሽሕ ዝኸይድ ዕጡቕ ጕጅለ ሚሊሻ ዘንቀስቓሱ’ዮም። ፕረዚደንት ኣሽራፍ ቓኒ፡ ንጎይቶት ኲናት ከጥፍኦም ምዃኑ ክገልጽ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ሕጂ ግን ምስቶም ወሰንቲን ጸለውቲን መራሕቲ ይራኸብ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ነቲ ከባቢ ዝከታተሉ ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ ጎይቶት ኲናት ኣበራቢርካ ንሓይልታት ጣሊባን ምዕጋት ዝከኣል ኣይመስልን። ኣብ ክንድኡ ግን እቲ ዝሓሸ ነቲ ብሞራልን ዋሕዲ ቀረባት ኣጽዋርን ዝሳቐ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ምትብባዕን ምዕጣቕን ምዃኑ ይምጕቱ።

ካልኦት ወገናት ድማ፡ ኣብ መንጎ ጎይቶት ኲናት ውድድርን ብመንግስቲ ዝህሉ ሓለፋታትን ምፍጣሩ ስለ ዘይተርፎ፡ ኣፍጋኒስታን ናብቲ ቅድም ዝነበረቶ ሕጊ-ኣልቦ ከይትምለስ ስክፍታኦም የካፍሉ።እቶም ተንተንቲ ኣፍጋኒስታን ናብቲ ኣብ ፈለማ 90ታት ዝነበረቶ ባይታ ተመዓደውቲ ሓይልታትን ማእከል መራብሒ ብዙሓት ዕጡቓት ወገናት ክትከውን ከም እትኽእል ድማ ግምታቶም ይህቡ ።

XS
SM
MD
LG