ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጠንቀቕታ ቻይና ዕሽሽ ብምባል ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ንታይዋን ይበጽሕ


ንልኡኽ ኣመሪካ ዝሓዘት ነፋሪት ታይዋን ኣብ ዝኣተወትሉ
ንልኡኽ ኣመሪካ ዝሓዘት ነፋሪት ታይዋን ኣብ ዝኣተወትሉ

ብኣፈ-ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናንሲ ፔሎሲ ዝምራሕ ልኡኽ ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣንጻር ብቻይና ክወሃብ ዝጸንሐ መጠንቀቕታ ናብ ታይዋን ኣትዩ። ፐሎሲ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ታይዋንን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እታ ሃገርን ክራኸባ መደብ ወጺኡ ኣሎ።

ቀንዲ ነቓፊት ፖሊሲ ቻይና ምዃነን ዝንገረለን ፔሎሲ ናብ ታይዋን ክበጽሓ ዲየን ወይስ ብመጠንቀቕታ ቻይና ካብ መደበን ክተዓናቐፋ ኣዛረቢ ኣርእስቲ ኾይኑ’ዩ ቀንዩ።

ቻይና ነቲ መደብ ኣትሪራ ብምቅዋም ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ እታ ሃገር ጣልቃ ከም ምእታው ገይራ ክትርእዮ ምዃና ከተንቅቕ ጸኒሓ’ያ። ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ’ውን “ሓደገኛ፡ ዘይቅቡልን ሰንኮፍን ተበግሶ” ክብል ሰዪሙዎ።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ መራኽብን ነፍርቲን ኲናት ቻይና ናብ ደሴት ታይዋን ተጸጊዐን ተዃታዂ ልምምድ ብሰሉስ ከካይዳ ተራእየን። ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ካልእ ቀጻዒ ቍጠባዊ ስጕምታት’ውን ምውሳዳ እቲ ዝበጽሓና ዜና የርድእ።

XS
SM
MD
LG