ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጠንቅቕታ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኣሜሪካ


WHO LOGO
WHO LOGO

ኢጣልያ ሎሚ እውን ብኮሮናቫይረስ ብከቢድ ትጥቃዕ ኣላ። ቻይና ኣብታ ምንጪ ኮሮናቫይረስ ዝኾነት ክፍለግዝኣት ሁቤ ኣንቢራቶ ዝነበረ ናይ ምዕፃው ትእዛዝ ኣልዒላቶ።ኣሜሪካ ዝቕጽልማእኸል እቲ ለበዳ ክትኸውን ትኽእል እያ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

7,000 ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ዝመዝገበትን በቲ ቫይረስ ኣዚያ ዝተጠቕዐትን ናይ ኢጣልያ ክፍለ ግዝኣት በርጋሞ ሆስፒታላት ብሕሙማት ኣዕለቕሊቖም፣ሰራዊት እታ ሃገር ሬሳታት ናብ ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት የመላልሱ ኣለው።

ከንቲባ ከተማ በርጋሞ ጊዮርጊ ጎሪ ከተምኦም ከምተን ካልኦት ከተማታት ኢጣልያ ንኮሮናቫይረስ ኣይተዳለወትን ነይራ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ሕማም ኒሞኒያ ኣብ ሆስፒታላት ከም ኮሮናቫይረስ ኣይተርኣየን ነይሩ።ከም እምነት እቶም ከንቲባ ሕሙማት ኒሞኒያ ንኻልኦት ሰባት ኮላይ ንዶክተራትን ነርስታትን ኣሕሊፎምሎም።

እቲ ቫይረስ ኣብ ክፍለ ግዝኣቶም ብቕልጡፍ ክጋፋሕ ዝገበረ ካልእ ኣጋጣሚ 19 ለካቲት ዝተኻየደ ውድ ድር ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ነይሩ።

ጎሪ ‘’40,000 ነበርቲ ከባቢ በርጋሞ ኣብ ናይ ሚላን ስታዲዮም ሳን ሲሮ ኣብ መንጎ ኣትላንታን ቫለኒሺያን ዝተኻየደ ውድ ድር ሪኦምዎ’’ ይብሉ።

ጎሪ ብምውሳኽ ብዙሓት ካልኦት ሰባት እውን ኣብ ገዛውቶም ነቲ ውድድር ተኣኪቦም ሪኦምዎ እዮም ይብሉ ። ብዘይጥርጥር እዚ እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ ክጋፋሕ ኣበርኽቶ ገይሩ እዩ።

በዝሒ በቲ ቫይረስ ይሞቱ ናይ ዘለው ሰባት ሎሚ እውን ዝለዓለ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ። ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ይሞቱ ናይ ዘለው ሬሳታት እኳ ናብ ዝወስዱዎ ስኢኖም ኣለው። ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት ሬሳታት ክወስዱሎም ሓገዝ ይሓቱ ከምዘው ጎሪ ገሊፆም። ሰራዊት እታ ሃገር ሬሳታት ናብ ካልኦት ከተማታት እናወሰዱ ናብ ሓሙኽሽቲ ይቕይሩዎ ኣለው።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ኢጣልያ በዝሒ በቲ ቫይረስ ይትሓዙ ዘለው ሰባት ይወርድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ ።ንናይ መንግስቲ ፃዕርታት ፀረ ኮሮናቫይረስ ይመርሑ ዘለው ጎመኒኮ ኣርቹሪ ግን ጣሊያናዊያን ነቲ ዝተነብረ እገዳ ከኽብሩ ዐዊዖም ኣለው።ካብዚ ቅልውላው መውፅኢ እንኮ መንገዲ እዚ እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ጣሊያን ግሴፔ ኮንቴ ብዘይፍቓድ ክንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ቅድሚ ሎሚ ተቐሚጡ ዝነበረ ናይ 227 ዶላር መቕፃዕቲ ናብ 3,300 ዶላር ክልዕል ኣዊጆም ኣለው።

ቻይና ኣብ ክፍለግዝኣት ሁቤ ኣንቢራቶ ዝነበረ ናይ ምዕፃው ትእዛዝ ኣልዒላቶ።ቻይና ሰባት ካብ ገዛውቶም ከይንቀሳቐሱ ብምኽልካል ብዝወሰደቶ ተሪሪ ስጉምቲ ዓብይ ምዕባለ ኣርእያ እያ።ሰበስልጣን ጥዕና ቻይና ሎማዕንቲ ረቡዕ 47 ሓደሽቲ ትሑዛት ኮሮናቫይረስ መዝጊቦም ኣለው። ኩሎም ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝኣተው እዮም።

ኣብ ኣሜሪካኣብ ቀረባ ሰሙናት እቲ ቫይረስ ብሰፊሑ ይጋፋሕ ኣሎ።ክሳብ ሎሚ ረቡዕ 55,000 እቲ ቫይረስ ዘለዎም ልዕሊ 700 ድማ ዝሞቱ ተመዝጊቦም ኣለው።

ወሃቢት ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ማርጋሬት ሃሪስ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ‘’ዝዓበየ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ኣለዎም፤ብዝዓበየ ቁፅሪ ድማ ይውስኽ እዩ ዘሎ’’ ኢለን ።

ምርመራ እንተድኣ ወሲኹ ቁፅሪ ዝተትሓዙ ክዉስኽ ከምዝኽእል እውን ሓቢረን።ኣብቀረባ 85 ሚእታዊ ሓደሽቲ ዝተትሓዙ ኣብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን እዮም። ካብዚ 40 ሚእታዊ ኣብ ኣሜሪካእዩ ኢለን።

ሰበስልጣን ጥዕና ሰባት ንክረሓሓቑ ዝተወስደ ስጉምቲ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል መርገፂ እንተለዎም እውን ናይ ኣሜሪካፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ሰሙናት ስሩዕ ህይወት ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣለው።

ሴኔት ኣሜሪካኣናእሽቱ ነጋዶ ተለቂሖም ክንቀሳቐሱ፣ንስድራት ቤታት ገንዘብ ንምሃብን ንሰራሕተኛታትን ትካላትን ጥዕና ዘድልዩዎም ቀረባት ንከማልኡን ዝሕግዝ ክልተ ትሪሊዮን ዶላር ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣፅዲቖም ኣለው።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ብኮቪድ 19 ዝተትሓዙ 423,000 በፂሑ ኣሎ።ልዕሊ 19,000 ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

ሊቢያ ትማሊ ሰሉስ ንፈለማ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሓደ ሰብ መዝጊባ ኣላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

መጠንቅቕታ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:12 0:00


XS
SM
MD
LG