ዋሽንግተን —
175 መግቢ፣ ዘይመግባዊ ቀረባትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን ትማሊ ሓሙስ ኣብ መቐለ ከምዝኣተዋ ኦቻ (ኣተሓባባሪ ህጹጽ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት) ገሊጹ።
ኣቐዲሙ 50 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝበጽሓ ዝዝከር እዩ።
እዘን ዳሕረዎት ናይ ጽዕነት መካይን ገለ ካብ’ተን ካብ ሰመራ ዓፋር ናብ መቐለ ዝብገሳ 223 መካይን እየን።
ካልኦት መካይን ናብ ክልል ትግራይ ናይ መወዳእታ ነቁጣ ፍተሻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከምዝርከባ፣ ክልተ መካይን ቅድሚ ሰሙን ካብ ሰመራ ኣብ ርሕቀት 97 ኪ/ሜ ብሰላማዊያን ሰባት ተዓጊተን ከምዝተሰረቃ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ኦቻ ኣብ መግለጺኡ፣ ናይ’ዘን መካይን ናብ መቐለ ምብጻሕ ኣዎንታዊ እዩ እንተኾነ ኣኻሊ ኣይኮነን፣ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ንምቅላብ መዓልታዊ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ መvለ ክኣትዋ ግድን እዩ ይብል።