ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግቢ: ነዳዲን ካልእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን መቐለ ምእታወን ሕ/ሃ ሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዩሪክ
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዩሪክ

መግቢ፣ ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛትን ነዳዲን ዝጻዓና 50 ዓበይቲ መካይን፣ ዝሓለፈ ዓርቢ መቐለ ከምዝኣተዋ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዩሪክ ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ ምሸት መግለጺኡ እቲ ጽዕነት ን43 ሽሕ ሰባት ዝኸውን 1000 ቶን ሓገዝ መግቢ ከምኡ'ውን 700 ቶን ንሕክምና፣ ዝተመጣጠነ መግቢ፣ ማይን ንጽህናን ዝውዕል ጽዕነት ዝሓዘ ከምዝኾና ጠቂሱ: 115 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝጻዓና ሰለስተ መካይን’ውን መቐለ ምእታወን ሓቢሩ።

ንዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒን ፈረቃን ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከይኣተወ'ዩ ጸኒሑ። እዚ ዳሕረዋይ ረድኤት፣ኣብ ውሽጢ አስታት ክልተ ሰሙናት ንካልኣይ ጊዜ ዝተላኣኸ ምዃኑ’ውን እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።

ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ባይታ ንዘሎ ሰብኣዊ ጠለብ ንምምላእ፣ ገና ብዙሕ መጠን ረድኤት የድልይ'ዩ።

ስተፈን ዩሪክ ብተወሳኺ ረድኤት ካብ ሰመራ ንመቐለ ክላኣኽ ቅሩብ ከምዘሎ፣ ካብኡ ዝሰገረ፣ ረድኤት ዝጻዓና መካይን ብሰላም ናብ ህዝቢ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ንክበጽሓ መታን ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ንራኸብ ኣለና ይብል።

XS
SM
MD
LG