ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግቢ:ነዳዲን ቀረባት ጥዕና ዝጸዓና 50 መካይን ናብ ከተማ መቐለ ምእታወን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ


ፕሮግራም መግቢ ዓለም ድሕሪ ኣስታት ክልተ ሰሙን ፈላማይ ሰብ ኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን መቐለ ምእታወን ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:30 0:00

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ድሕሪ ኣስታት ክልተ ሰሙን ፈላማይ ሰብ ኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን መቐለ ምእታወን ሓቢሩ

መግቢ: ነዳዲን ቀረባት ጥዕናን ዝጸዓና 50 መካይን ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ክልል ዓፋር ድሕሪ ምብጋሰን ሎሚ ሶኑይ ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከምዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበረታ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እተን መካይን፡ ልዕሊ 900 መትሪክ ቶን ህይወት ኣድሕን ቀረባት ዝጸዓና`የን። እንተኾነ ነቲ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጠለብ ንምምላእ ናይዚ ዕጽፊ ከምዘድልይ'ቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ።

ኣስታት ኣርባዕተ ሚልየን ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ነብስወከፍ ሰሙን 10 መትሪክ ቶን መግብን 150 ሺሕ ሊትሮ ነዳድን የድሊ ዝበለ ኣዋሃሃዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶሚ ታምሰን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንገዲ ስለኸፈተልና ሓጎስና ንገልጽ፡ እንተኾነ ዕጽፊ መካይን ይድልያና ኣብ ክንዲ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ክልተ መዓልታት ክኣትዋ ንደሊ ኢሉ።

ዝሓለፈ ረቡዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሰሜናዊት ግዝኣቱ ሰብኣዊ በረራታት ምፍቃዱ ኣፍሊጡ`ዩ። ዛጊት ግን ናብ ክልል ትግራይ ዝበረረት ነፋሪት ከምዘየላ`ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ሕጽረት መግቢ ኣብ ክልል ትግራይ ብቕጽበት ከምዝሓመቐ`ዩ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ። ኣስታት 400 ሺሕ ህዝቢ፡ ሕጂ ኣብ ደረጃ ዓጸቦ ከምዝኣተወ፡ 1.8 ሚልየን ድማ ኣብ ገምገም ዓጸቦ ከምዘሎ`ውን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG