ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ19 ፓርቲታት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ


ኣብ ኢትዮጵያ ንውጽኢት ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዘኽብሩን ቅሬታታት ዘለዎምን ብኣገባብ ሕጊ ጥራሕ ንምፍታሕ ከምዝንቀሳቐሱ 19 ፓርትታት ፖለቲካ ዝሓዘ ናይ ክልል ኣምሓራ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንጉዳይ ሰላም ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም`ውን ኣባላት`ቲ ቤት ምኽሪ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ ክልል 19 ፓርትታት ዝንቀሳቐሱ ክኾኑ ኸለዉ ካብኦም ብዘይካ ሓደ እቶም 18 ፓርትታት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምርጫ ተሳቲፎም`ዮም። ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ኩሎም ፓርትታት ፖለቲካ ብናጻ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም`ውን እቶም ፓርትታት መስኪሮም ኣለዉ።

ናይቲ ሓባራዊ ቤት ም​ኽሪ ፕረዚደንት ኣቶ ተስፋሁን ኣለምነው፡ ኣብ መስርሕ`ቲ ምርጫ ጸገማት እንተነበሩ`ውን ብተሳትፎ ህዝቢ ብሰላም ምዝዛሙ ከምኡ ድማ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ውጽኢት ክሳብ ዘፍልጥ ብትዕግስቲ ከምዝጽበዩን ነቲ ውጽኢት ድማ ብጸጋ ከምዝቕበሉን ኣፍሊጡ`ሎ-።

XS
SM
MD
LG