ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ 4 አባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ


ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ "ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ህውከትን ዝኹንን" ረቂቅ ሕጊ ናብ’ቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምቅራቦም መግለጺ ኣውጺኦም።

ኮንግረስማን ግሪጎርይ ሙክስ፣ ሚካኤል ማኩልን ክሪስቶፈር ስሚዝን ምስ ኣባል ቤት ምኽሪ ወ/ሮ ከረን ባስን ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ "ነቲ ኣብ ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ውግእን ግፍዒን ከምኡ'ውን ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝራአይ ዘሎ ግጭትን መግሃስቲ መሰላትን ብጽኑዕ ንኹንን" ኢሎም።

እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናይ ትግራይ ውግእ "ንነበርቲ ከባቢታት ኣጥፊእዎም እዩ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣፈናቂሉ፣ ንኣስታት 5 ሚልዮን ናብ ኣፍ ጥምየት ኣብጺሕዎም፣ ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣናዊጽዎ፣ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉ ስራሕ ንክዓዩ ክፍቀደሎም ኣለዎ" ይብሉ ።

ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ሓይልታት፣ ውግእ ብቅጽበት ደው ከብሉን ናብ ኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ክምለሱን፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ንክወጹ ዝኣተውዎ ቃል ክትግብሩ፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንከጻርዩ ዘይተደረተን ስልጣንን ንክረኽቡን’ውን ኣርባዕቲኦም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ ዘዳለወቶ ምርጫ፣ ነጻ፣ ርትዓዊን ተኣማኒን ኮይኑ ክፍጸም’ዶ ይኽእል? ኢሎም ዝሓቱ እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ፣ እቲ ምርጫ መረሳሰኒ ህውከትን ዕግርግርን ከይኾን ህጹጽ ቆላሕታ ክግበር ኣለዎ ይብሉ።

ግሪጎርይ ሙክስ፣ ሚካኤል ማኩል፣ ከረን ባስን ክሪስ ስሚዝን ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓባራዊ መግለጺ ብመንጽር ሻውዓይ ወርሑ ዝሓዘ ውግእ ናይ ትግራይ፣ ኩነታት ከምዘለዎ ክቅጽል ኣይግባእን፣ ሂወት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቀ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉ ይግባእ ኢሎም ።

ነዚ መግለጺ’ዚ ኣመልኪቱ ካብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ ዛጊት የለን: ምስ ረኸብና ክነቅርበልኩም ኢና።

ቅድሚ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ግና ‘ኣብ ፈላማይ ምዕራፍ ናብ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ፣ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ምዕራፍ 4 ነጥቢ 3 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ከምዘበጽሐ ዝሓበረ መግለጺ፣ ብደረጃ ዓለም ‘ጥምየት ከምመሳርሕ ውግእ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል ኣሎ ዝብል መግለጺ መሰረት ዘይብሉ እዩ’ ኢሉ ነይሩ።

ብዛዕባ ምንቅስቃስ ትካላት ረድኤት ድማ ‘ኩሎም ትካላት ረድኤት ፈቃድ ይረኽቡ ከምዘለው፣ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ምብጻሕ ሓገዝ ተማሕይሹ ኣሎ’ ይብል።

ፌደራላዊ መንግስቲ ግህሰት መሰላት ንዝፈጸሙ ተሓተቲ ክገብሮም እዩ፣ ንኩሎም ዓይነታት ንሰብኣዊ ክብሪን ህይወትን ኣብ ሓደጋ ዘውደቁ ንኹንን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ከቢድ ግህሰት ዝፈጸሙ ክንሓቶም ኢና ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG