ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር


መግለጺ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:16 0:00

መግለጺ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ መገሻ ዝፈጸሙ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክ ሃመር፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ዘካየድዎ ፈተነ ግና ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንውግእ ደው ከብሉ ዓሊሙ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም። ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ማይክ ሃመር፣ መስርሕ ሰላም ንምዕዋት ብዛዕባ ዝገብርዎ ጻዕሪታት’ውን ጠቂሶም ኣለው።

ኣመሪካ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ ተጸሚዳ እያ ትርከብ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ንክመጽእ ድልየት ምስ ዘለዎም ወገናት ተሓባቢራ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም።

ፖሊሲ ኣመሪካ ይብሉ ንሶም ‘ንሕብረት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ተገዳስነት ከምዘለዋ ሓባሪ እዩ፣ እንኮ ሽቶታትና፣ ሰላም ንክሰፍንን ንኩሎም ተጸበይቲ ኢትዮጵያዊያን ሰብኣዊ ረድኤት ምቅራብ እዩ ኢሎም።

ድሕሪ ንሶም ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ሕቶ ንክቀርበሎም ብመሰረት ዝተኸፈተ መድረኽ፣ ቀዲሙ ዝቀረበሎም ሕቶ ‘ኣብ ውግእ ንዝተጸመዱ ሓይልታት፣ ናብ ልዝብ ሰላም ንምምላስ፣ ኣመሪካ ክትጥቀሞ ትኽእል ተጽዕኖ ኣሎ’ዶ፧ ዝብል ነይሩ።

ማይክ ሃመር "ተጽዕኖ ዘይኮነ፣ ብመንጽር ኣመሪካ ዝጸንሓ ታሪኻዊ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ፣ ሓቀኛ ሸምገልቲ ክንከውን ኢና ዝብል ግንዛቤ ኣሎ። ኣፍሪቃ ኣብ ትመርሖ መስርሕ፣ ሓገዝቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ኩሎም ወገናት፣ ኣመሪካ ንክትሕግዘና እያ ትፍትን ዘላ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ።"

ሓይልታት ትግራይ ኤርትራ፣ ሙሉእ ውግእ ከፊታትልና ኢሎም’ዮም። ብአኦም ወገን’ከ ዝርኢዎ ነገር ኣሎ’ዶ፧ ከምኡ እንተኾይኑ፣ ትርጉሙ እንታይ’ዩ?

ማይክ ሃመር፣"እወ ንምንቅስቃስ ስግር ዶብ ሰራዊት ኤርትራ ተዓዚብና ኣለና። ኣዝዩ ኣሻቓሊን ዝኹነን እዩ። ኩሎም ወጻእተኛ ሓይልታት፣ ንግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ነቲ ውግእ ካብ ምንህሃርን ክቁጠቡን ይግባእ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ንጹር ክንከውን ኣይንክእልን። ደጋጊምና’ውን ኢልናዮ ኢና። ምስ ኣስመራ ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎም ወገናት ንከዘራርብዎም ክነተባብዕ ኢና። እዚ ኣዝዩ ኣሻቃሊን ደው ክብል ዘለዎን እዩ።"

ማይክ ሃመር ወሲኾም "ብዛዕባ ክንወስዶም ንኽእል ካልኦት ስጉምቲታት ክዛረብ ኣይደልን፣ እቲ ክብሎ ዝኽእል ግና፣ ተጋሩ፣ ዓፋረቶት፣ ኣምሓሩን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኣዝዮም ይሳቀዩ እዮም ዘለው። ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፣ ነቲ ኣብ ዘሕዝን ብርኪ ዘሎ ኩነታት፣ ይሓላልኾን የባርዕን እዩ ዘሎ" ኢሎም።

ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ፣ ንልዝብ ሰላም ከምዝተቀበሉ ድሕሪ ዝጻሓፍዎ ደብዳቤ፣ ቅድሚ’ቲ ዳሕረዋይ ውግእ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ሰዓትን ስፍራን፣ ናብ ልዝብ ሰላም ከምዝኣትው’ገሊጹ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ማይክ ሃመር፣ ብዛዕባ ኣብ ጂቡቲ ዝነበረ መስርሕ ልዝብ ግና ስለ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ኣመሪካ ክብሉ ጽጹይ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቆጢቦም ኣለው።

ክልቲኦም ወገናት፣ ንመስርሕ ልዝብ ሰላም ናይ ብሓቂ ድልየት ኣለዎም’ዮም ኢሎም’ዶ ይኣምኑ፧ ዝብል ካልእ ሕቶ’ውን ቀሪቡሎም ነይሩ ማይክ ሃመር። ንሕና ክንብሎ ንኽእል ንምውሳኑ ከቢድ እዩ። ግን፣ ነቲ ጸገም ብሰላም ክፍታሕ እዩ ድልየትና ስለዝብሉ ክንቅበሎም ጥራሕ ኢና ንኽእል ኢሎም።

XS
SM
MD
LG