ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ዓረና


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈጠረ ፀገም መበገሲኡ ስእነት ዴሞክራሲ እዩ ክብል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ንሉኡላዊነትን ዴሞክራሲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ::

ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ዓረና፡ ኣኼብኡ ድሕሪ ምዝዛም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሊህቃን ጉዳይ ምግንፃልን ሃገር ምብትታንን ከም ቀንዲ መፍትሒ ፀገም`ዛ ሃገር ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ወገናት፡ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ፀገም ዘእትው እዩ’ሞ ደው ከብሉ ይግባእ ኢሉ::

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ሕቶ ብሄር ብሄረሰባት ጎሊሁ ብምውፅኡ እዩ ብምባል መሰል ብሄር ብሄረሰባት ንምጭፍላቕ ዝግበር ምንቅስቓስ ንቃለሶ ኢና ብምባል ኣፍሊጡ`ሎ ::

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ዓረና ኣብ ዝሓለፈ 13ን 14ን ሓምለ 2011 ዓ.ም ዘካየዶ ኣኼባ ጠሚቱ ትማሊ መግለፂ ኣውፂኡ:: እቲ መግለፂ ከምዘመላኽቶ ኣብቲ ኣኼባ ሃገራዊን ክልላዊን እዋናዊ ጉዳያት ዝተላዕሉ ኽኾኑ ኸለው ብተወሳኺ ድማ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ውድብ ከምዝተገምገመ ተሓቢሩ’ሎ:: እቲ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምምሕዳር ፖለቲካ ንምስፋሕ: ምፍታሕ እሱራት: ውድባት ፖለቲካ ብነፃነት ክሰርሑ ምእንጋድን ብተወሳኺ ድማ ማዕኸናት ዜና ነፃ ኮይኖም ክሰርሑ ጅማሮ ዋላ ተነበረ ኩሉ ዘሳተፈ ብፍኖተ ካርታ ዝተደገፈ ከይዲ ብዘይምንባሩ ነባሪ ክኸውን ኣይከኣለን ኢሉ::

ብፍላይ እቲ ውድብ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ክልል ትግራይ ህዝባዊ ኣኼባታት ንምክያድ ካብ ከተማ መቐለ ወፃኢ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ምኽልባት ከምዘጋጥሞም ገሊጹ:: ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ከይህልው ምትዕንቓፍ ኣሎ እዩ ዝበለ መግለፂ ዓረና ህዝቢ ትግራይ ዘተኣማምን ልምዓት ከምዝግብ ዝኽእል: ሰላምን ሓድነትን ዝህልዎ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብነፃነት ከተኣናግድ ከሎ እዩ ኢሉ ::

መግለፂ ዓረና ትግራይ ከምዘመላኽቶ ኣብቲ ክልል ካብ ቀረባ እዋን ናይ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሳስባ ምግንፃል ከምዝቃወምን: ረብሓ ክልል ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምንን ሓቢሩ:: ብኻልእ ወገን ድማ ህልውና ብሄር ብሄረሰባት ዝፈታተን ጨፍላቒ ኣተሓሳስባ ሚዛን ክሕዝ ይግባእ ክብል’ውን ኣፍሊጡ::

ሸሞንተ ናይ ቅዋም ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ እቲ ውድብ: ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ዝተፈጠረ ሃገር የማሓድር ዘሎ ውድብ ንብዙሕ ዘመናት ዝፀንሑ ሕቶ ህዝብታት ብዘይምምላሱ እዩ ዝበለ ኮይኑ: ሐዚ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዝተሳተፍሉ ፍኖተ ካርታ ተሰናዲኡ ተግባራዊ እንትኸውን እዩ ኢሉ:: እቲ ፓርቲ ብፕሮግራም ምስ ዝመሳሰልዎ ክልላዊ ውድባት ንምውሃድ ዝጀመሮ ስራሕ ኣሓይሉ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ:: ብማዕኸናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸብን ኣቢሉ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝብታት ንምጉናፅ ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብምኹናን ዓረና ብፍላይ ንዘመናት ሓቢሮም ዝነብሩ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ጎንፂ ንምእታው ይግበር ዘሎ ናይ ሓይሊ ምንቅስቓስ ደው ክብል ጸዊዑ::

እቲ መግለፂ ቅድሚ ሐዚ ዝተፈጠረ ናይ ዜጋታት ምፍንቓል ብዕርቅን ምርድዳእን ክፍታሕ ይግባእ ኢሉ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም መበገሲኡ ስእነት ዴሞክራሲ ብምዃኑ ንቐፃሊ ዴሞክራሲ ክሕይል ሓድነት መሰል ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ዘኽብር ዓንከል ክቃለስ እየ ኢሉ:: እቲ ውድብ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንዘካይዶ ሓምሻይ ጉባኤኡ ዘዳልው ኣተሓባበርቲ እውን ከምዝመረፀ ኣፍሊጡ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ዓረና
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:01 0:00

XS
SM
MD
LG