ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ፈጻሚት ስራሕ ዩናይትድ ስቴትስ ኤጄንዲ ግሎባል ሚድያ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ፕረስ


ሎሚ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዓለም እዩ።ነዚ ምኽኒያት ብምግባር ግዚያዊት ፈፃሚት ስራሕ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኤጀንሲ ዓለምለኸ ሚዲያ (USAGM) ዝኾና ኬሉ ቻኦ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ ኣሜሪካዊያን ሳላ ናይ መጀመሪያ መመሓየሺ ሕግን ብናይ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላትን በብዕለቱ ንሰማዕትና ንምክፋል ብፅንዓት ምስራሕና እንኸብሮ እዩ ኢለን።

ንሰን ኣብ መግለፂአን ብዝተሓሳስብ ደረጃ ውልቀመለኽቲ መንግስታት ስልጣኖም ንምቕፃል ናይዚ ትካል ኔትዎርክታትን ካልኦት መራኸቢ ማዕኸናትን ይዓፅው ኣለው ይብል ።ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ስድርኦምን ዝወርድ ምፍርራሕ እናዓበየ ኣብ 2020 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ዙሪያ ዓለም ክብረ ወሰን ከምዝሰበረ ሓቢረን።

ዋላ እውን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ናጽነት ፕረስ ንጣልቃ ምእታው መንግስቲ ብንቕሓት ክንከታተል ኣለና ኢለን።

XS
SM
MD
LG