ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ዓለምለኸ ወገናት ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብኮማንድ ፖስት ዝምራሕ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ክወስድ ትእዛዝ ከምዝተውሃቦ ኣዊጆም።

ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ካምፕታት ሰራዊት ምክልኻል መጥቓዕቲ ከምዝፈጸመ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ መወዳእታ ቀይሕ መስመር ስለዝተሓለፈ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ናይ መወዳእታ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣማራፂ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወታደራዊ ሓይሊ ናብ ክልልትግራይ ምልኣኽ እቲ ወጥሪ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልላዊ ሰበስልጣንን ዘጋድድ ጥራሕ ዘይኮነስ ህይወትብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደጋ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ክፍፀም ዝገብርን እዩ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ።

ዞባዊ ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪካ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዲፕሮስ ሙቸና ሰበስልጣን ፈደራልን ክልልን ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ዝኸበር ምዃኑ ከረጋግፁ ኣለዎም ኢሎም ።

ንሶም ሰበስልጣን ሰባት ነንሕድሕዶም ክራኸቡን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ንምክትታል ክኽእሉን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቋረፀ ርክባት ስልክን ኢንተርኔትን ብቕልጡፍ ናብቲ ዝነበረ ክመልሱዎ ንፅውዕ ኢሎም።

ብኻልእ ዜና ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ብቕልጡፍ ክጋደድን ብኽልቲኦም ወገናት ዝውሃብ ግብረመልሲ ብቕልጡፍ ከሃድእዎ ፀዊዑ።እቲ ኤምባሲ ዘውዕኦ ሓፂር መግለፂኩሎም ወገናት ንድሕንነት ስቪላት ቀዳምነት ክህቡ ንፅውዕ ይብል ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዋና ፀሓፊ ናይ ኖርወይ ስደተኛታት ካውንስል ጃን ኢገላንድ ኣብታ ቅድም ክብል ጃምላዊ ምምዝባልንሰፊሕ ድልየታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዘድልያ ኢትዮጵያ ወጥሪ ተጋዲዱ ምቕፃሉ ብዓሚቕ ከምዘሻቐሎም ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ብኢሱዎ ዝቐፀለ ኵናት ብኣማእቲ ሽሕ ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ኣሎ ኢሎም።ብምውሳኽዝኾነ ይኹን ህውከት ክንህር ምግባር ዞባዊ ዘይምርግጋእን ሰብኣዊ ሓደጋን ዘጋድድ እዩ ኢሎም ። መግልፂ እቶም ዋና ፀሓፊ ወጥሪታት ብልዝብ ንምፍታሕን ወታደራዊ ስጉምቲ ጠጠው ንምባልን ኩሎም ወገናት ግቡእ ስጉምቲ ክወስዱ ፃውዒትና ነቕርብ ይብል ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን 1.8 ሚሊዮን ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ኣለው። ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዕቑባ ደልዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ተወሳኺ 790,000 ድማ ኣለው ይብል መግለፂኦም።

ናይ 2019 ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ቅልውላው ብጥንቃቐ ክሕዝዎ ኣለዎም ሰብኣዊነት ናብ ዝኸፍአ ከይኸይድ ብፅንዓት ጠጠው ክብሉ ፀዊዖም ኣለው።መግለፂ ጃን ኤግላንድ ዓለም ጠመትኡ ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴት ስ ምርጫ ኣብ ዝገበረሉ ዞባዊ መራሕቲ፣ ብዓብይኡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ግጭት ከይትኣትው ብንቕሓት ክሰርሑ ኣለዎም ይብል ።

XS
SM
MD
LG