ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ህልው ኩነታት ክልል ትግራይ


ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግጭት ተጸሚዶም ዘለው ወገናት፣ ንህይወት ሰብን ንብረትን ካብ ሓደጋ ንክከላኸሉን፣ ህዝቢ ሕክምናዊን ካልኦት ሓገዛትን ንክረክብ ከኽእሉን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጸዊዑ።

ቀይሕ መስቀል‘ብሰንኪ እቲ አብ’ቲ ከባቢ ዝተወለዐ ጎንጺ፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ክበጽሕን፣ ህዝቢ ክፈናቀልን መሰረታዊ ቀረባት ንከይረክብን ስለዝገብር’ ዓሚቅ ሻቅሎት ዝፈጥር እዩ ይብል ።

ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ አዲስ አበባን መቀለን ብዘለው ወኪላቱ ኣቢሉ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ግጭት ምስ ዝቅጽል፣ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ንዝቆሰሉን ሓገዝ ናብ ዝደልዩን ኣምቡላንስን ኪኢላታትን ንከእትው ንክፍቀደሉ’ውን ሓቲቱ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ውግእ ዝተወለዐ፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ህውከት ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ከምዝኾነ’ውን ቀይሕ መስቀል ኣዘኻኺሩ። ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ወሲኹ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ብርክት ዝበሉ ሰባት፣ ተቀቲሎም፣ ቆሲሎምን ተፈናቂሎምን እዮም ይብል ።

XS
SM
MD
LG