ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ዋይት ሃውስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልውላው ብዝምልከት ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያ ይኸዱ ምህላዎም ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዋይት ሃውስ ዣን-ፒየር ትማሊ ኣብ ዝ ሃብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን።

ንሰን ኣምባሳደር ሃመር ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኹሎም አካላት ናብ ናይ ሰላም ዘተ ክኣትው ከምዘተሓሳስቡ ሓቢረን ኣለዋ።

ኤርትራ ናብ ግጭት ምምላሳ: ህወሓት ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ዝቐጸሎ መጥቓዕቲታት ከምኡ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶም ደብዳብ ነፈርቲ ኣመሪካ ከምዝትኹንኖን ኣምባሳደር ሃመር ከምዘፍልጡን ዣን-ፒየር ኣመልኪተን ኣለዋ።

እተን ወሃቢ ቃል እዚ ግጭት ወታሃደራዊ መፍትሒ የብሉን ድሕሪ ምባል ቕድሚ'ቲ ዳግማይ ምውላዕ'ቲ ኲናት ዝነበራ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝነበረ ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣመሪካ ተስፋ ኣንቢራትሉ ከምዝነበረት እንተኾነ ሕጂ ግን ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታሃደራዊ ኩነታት ተባሂሉ ይትሓዝ ምህላው ሃገረን በዕሙቐት ከምዝተሓሳሰባ ገሊጸን ኣለዋ።

ዣን-ፒየር ኩሎም ወገናት ክዕቐቡን ነቲ ግጭት ከዝሕሉን ብምሕታት ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግማይ ክጅመርን መሰረታዊ ኣገልግሎት ንዘድልዮም ድማ ብቕልጡፍ ክበጽሕ ሓቲተን ኣለዋ።

ብዝተሓሓዘ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተመሳሳሊ መግለጺ ብትዊተር ኣሕሊፎም ኣለው።

ነዚ መግለጺ ዋይት ሃውስ ኮነ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝምልከት ምላሽ ክሳብ ሕጂ ኣይተዋህበን።

XS
SM
MD
LG